ወነንትን ሰራሕተኛታትን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ድማ ብፍላይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ንምዕቃብ ኣበርክቶኦም ከሐይሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ጋሽ-ባርካ ኮሎኔል ሓምድ ዩሱፍ፡ ምስ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ህዝቢ ምልባዕ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከየጋጥም ኩሉ ዜጋ ክጥንቀቕ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምሕያል ንቕሓት ሰራሕተኛን ዓሚልን ክነጥፋ ተላብዩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽባርካ ሓላፊ ምክትታል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ገብረመስቀል ወልደኣብዝጊ፡ ብቐንዱ ብጾታዊ ርክብ ኣብ ዝመሓለለፉ ሕማማት ብምትኳር፡ ኣብ ሜላታት ምክልኻል፡ ናይ ባህሪ ለውጢ ኣብ ምምጻእ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኤችኣይቪ/ ኤይድስ ንዝነብሩ ዜጋታት ክግበር ኣብ ዘለዎ ሓልዮት ሰፊሕን ዝርዝራውን መብርሂ ሂቡ። ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝያዳ ትዂረት ብምሃብ ክሰርሓሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ ድማ፡ ምሕያል ሜላታት ምክልኻል፡ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ንምቊጽጻር ተመሓለለፍቲ ሕማማት ስለዝኾነ፡ ዜጋታት ጥንቃቐ ክገብሩን ንቕሓቶም ከበርኹን ጸዊዑ።

Categories