ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ብምትሕብባር ህዝብን ኣብ’ቲ ከባቢ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ግራውቲ ስድራ ስዉኣት ብወፈራ ይዕጸድ ኣሎ።

ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ተሰነይ ሓላፊ ምክትታል ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል መንግስትኣብ፡ እቲ ዝዕጸድ ዘሎ ዘራእቲ፡ ኣቐዲሙ ብወፈራ ብጥርኑፍ ዝተሓርሰ 100 ሄክታር ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ንዝተወስደ ተበግሶ ሞጒሱ።

ሓገዝ ዝተገብረሎም ስድራ ስዉኣት ብወገኖም፡ እቲ ወፈራ መቐጸልታ ናይቲ ህዝብን ምምሕዳራትን ብቐጻሊ ዝገብሩሎም ገንዘባውን ዓይነታውን ምድግጋፍ ምዃኑ ብምሕባር፡ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም።

ምትሕግጋዝ ሓደ ካብ ኤርትራዊ ክብሪታት ምዃኑ ዝገለጹ ተሳተፍቲ ወፈራ፡ ንስድራ-ስዉኣት ዝገብርዎ ሓገዝ ሕልናዊ ዕግበት ከምዝፈጥረሎም ገሊጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብሕርሻ ንዝናበራ 100 ደቂ-ኣንስትዮ መሬት ብምድላው፡ ኣብ ኩሉ ሕርሻዊ ንጥፈታት ደገፍ ከምእተገብረለን፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories