ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ሞያዊ ብቕዓት መማህራን ብሓፈሻ ናይ መባእታ ድማ ብፍላይ ንምሕያል ዝሕግዝ ስልጠና፡ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 3 ሕዳር ን77 መማህራን ሂቡ።

እቲ ንመማህራን ቋንቋን ቊጽርን ዝተዋህበ ስልጠና፡ ሜላታት ኣመሃህራ፡ ኣጠቓቕማ መሳለጥያታት፡ ትምህርቲን ካልኦት ዛዕባታትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ስነምምህርና መምህር ዳዊት መንግስቱ፡ እቲ ስልጠና – ሞያዊ ዓቕሚ መማህራን ዝድርዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ተመሃሮን ውጽኢቶምን ጽቡቕ ውጽኢት ክህልዎ እምነቱ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ብወገኑ፡ እቲ ስልጠና መቐጸልታ ናይ’ቲ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑን፡ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲ ምስ ውህሉል ተመኵሮኦም ተደሚሩ ንተመሃሮ ክሕግዝ ትጽቢት ከምዝግበርን ኣገንዚቡ።

ኣብ ንኡ ዞባ ባጽዕ፡ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘምህራ 26 ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

Categories