ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝተኸስተ ፍጻመታትን ምዕባለታትን ዘተኰረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ-መሕትት፡ ትማሊ 3 ሕዳር ካብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣካዪዱ።

ኣብ’ዚ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ብኤሪቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ዝተፈነወ ቃለመሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣገዳስነትን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታን ናይ’ዚ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንመዋእላት ድሕሪ ዘካየድዎን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈሉሉን ቃልሲ ንፍትሕን ሓርነትን ዝመጸ ታሪኻዊ ክስተት፡ ገስጋስ ትግባረ ናይ’ቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝኸተምዎ ‘ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’፡ ዞባውን ዓለማውን ጎድንታት ናይ’ዚ ስምምዕን ኣብ ጎዶቦና ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶን ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ንፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ናይ’ዚ ክስተት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ መዋእል፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝገጠሞ 80 ናይ ተጻብኦ ዓመታት ዝስዕብ ዘሎ ራብዓይ መዋእል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኩነተ-ኲናትን ናይ መዋእላት ሕሰም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መኸተምታ ዝገብር ስለዝኾነ፡ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ብንጡፍ ተሳትፎኦም ንምውሓሱን ንምድንፍዑን ኣጽኒዖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህልዎ ዕድላትን ብድሆታትን፡ ከምኡ’ውን ገለ ዝነደዩ ባእታታት ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሃዋህው ኪዘርጉ ብዝተፈላለየ ጣቋ ዘካይድዎ ህቀናታትን ኣመታቱን ብዝምልከት’ውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ’ዚ ምዕባለታት’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዘቤታውን ልምዓታውን ጉዳያት ዘተኰረ ካልኣይ ክፋል ቃለ-መሕትት ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

Categories