ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ – ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ብ2 ሕዳር ንሓለፍቲ ጨናፍር፡ ጉጅለታትን ኣባላት ቦርድን ዞባ ማእከል ሰሚናር ኣካዪዳ።

ኣብ’ዚ – ምዂስኳስ ሃገራዊ ክብርታት፡ ተራን ኣድማዕነትን ውዳበ ኣብ’ዚ ሓድሽ መዋእል፡ ከምኡ’ውን ተራ ደቂኣንስትዮ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ማእከል ዝገበረ ሰሚናር፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ፡ ተኣትዩ ዘሎ መድረኽ ሰላም፡ ፍረ ሓያል መኸተን ዘይተጸዓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ተሳትፎን ኣበርክቶን ደቀንስትዮ ኣብ ምዕቃቡን ምዕዛዙን ወሳኒ ምዃኑ ገሊጻ።

ምዕቃብ ሰላም፡ ካብቲ ንምምጻኣ ዝተኻየደ ቃልሲ ዘይንእስ ቃልሲ ከምዘድልዮ ዝሓበረት ወይዘሮ ተኽኣ፡ ነታ ብጽንዓትን መስዋእትን ዝመጸት ሰላም ንምዕቃብ፡ ንቑሕ ተሳትፎ ዜጋታት ብሓፈሻ ናይ ደቂኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣብሪሃ።

ተሳተፍቲ ብወገነን፡ ንእዋናውነት ናይቲ ሰሚናርን ኣብኡ ዝተላዕለ ጉዳያትን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ተመሳሳሊ ርክባት በብጽፍሑን በብደረጅኡን ክቕጽል ተላብየን።

Categories