ኮማዊ ሆስፒታል ዓዲ-ተከሌዛን ንጥዕና ኣደን ህጻንን ዝህቦ ልዑል ኣቓልቦ፡ ኣብ ምርግጋጽ ጥዕናኦም ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ኤሪና ዝተወከሰቶም ሞያውያን ገሊጾም።

ነርስ ልያ ኣልኣዛር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ክሰላሰል ብዝጸንሐ ዕማም፡ ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ፡ ሸፈነ ክታበት 80 ሚእታዊት፡ ቊጽሪ ኣብ ትካል ጥዕና ዝሓርሳ ኣደታት 55 ሚእታዊት፡ ምክትታል ናይ ዝገብራ ነፍሰ-ጾራት ድማ 78 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ኣብሪሃ።

ነበርቲ በገሳ፡ መዓልዲን ናላይን፡ ብዘለዎም ራሕቂ ናብ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል ክመጹ ስለዝጽገሙ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ ባይታ ክጣጣሕ ኣዘኻኺራ።

ዓሶ ንምክልኻልን ንምግታእን ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ድማ፡ ተርእዮ’ቲ ሕማም ናብ 5 ሚእታዊት ኣንቈልቊሉ ምህላው ዝሓበረ ነርስ ሳሚኤል ኣስመላሽ፡ ንኡስ ዞባ ዓዲተከሌዛን ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ኣብ ኣፈፌት ከምእትርከብ ብምግላጽ፡ ነዚ ክውን ንምግባር ዕቱብ ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

35 መደቀሲ ሕሙማት ዓራውቲ ዘለዎ ኮማዊ ሆስፒታል ዓዲ-ተከሌዛን፡ ምክትታል ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ፡ ኣገልግሎት ክታበት፡ ወለንታዊ መርመራ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ላቦራቶሪን ፋርማሲን ይህብ።

Categories