ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓረስቶትን ክኽተልዎ ብዛዕባ ዝግባእ ውሁድ ኣገባብ ምክልኻል ባልዓት ዘራእቲ ብሓፈሻ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ድማ ብፍላይ ንምምዕባል ዝዓለመ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

እቲ ኣብ ከተማታት ኣቑርደት፡ ተሰነይን ባረንቱን ንልዕሊ 170 ሰብ ሞያ ሕርሻ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ክኢላታት፡ ኣብ ምቊጽጻር ባልዓት ብሓፈሻ፡ ኣብ ባህርያትን ሓደገኝነትን ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ድማ ብፍላይ ዘለዎም መረዳእታ ክብ ብምባል፡ ንሓረስቶት እዋናዊ ሓበሬታ ክህቡን ክሕግዙን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ጋሽባርካ ሓላፊ ጨንፈር ልምዓት ብቚሊ ኣቶ ጎይትኦም ሃለሚካኤል፡ ኣብ’ቲ ዞባ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ገለ ንኡሳን ዞባታት ንዝተራእየ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ንምቊጽጻር፡ ብውህደት ሰብ ሞያ ሕርሻ፡ ምምሕዳራትን ሓረስቶትን ዝተወስደ ስጉምቲ ኣድማዒ ምንባሩ ብምሕባር፡ ነቲ ተመኲሮ ብፍልጠት ምድርዑ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን ብወገኑ፡ ንእዋናውነት ናይቲ ኣስተምህሮ ብምጥቃስ፡ ክኢላታት ኣብ ውሽጢ ሓረስቶት ብምእታው ብዛዕባ ክውሰዱ ዝግብኦም ቅድመ ጥንቃቐታትን ሜላታት ምክልኻልን ከስተምህሩ፡ ፍሉይ ተርእዮ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ድማ ቅልጡፍ ሓበሬታ ከመሓላልፉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories