ኣቶ ኣፈወርቂ ምሕረትኣብ

 

ኣቶ ኢያሱ ባህታ

 

ኣህጉራዊ ቅነ ጸረ-ባክተርያ፡ ውሕስነትን ቀጻልነትን ተጠቃምነት መድሃኒት ጸረባክተርያ (ኣንቲባዮቲክስ) ዘረጋግጽ ንቕሓት ኣብ ህዝቢ ንምስራጽ ብዝዓለሙ መደባት፡ ብውህደት ሚኒስትሪታት ጥዕናን ሕርሻን ካብ 12 ክሳብ 18 ሕዳር ኣብ መላእ ሃገር ክካየድ’ዩ።

እቲ ቕነ፡ “መድሃኒት ጸረባክተርያ – ብቫይረስ ንዝስዕቡ ሕማማት ኣይፍውስን”፡ “ንኣኻ ዝተኣዘዘ መድሃኒት ጸረ-ባክተርያ ንኻልኦት ኣይተካፍል”፡ “ጸረባክተርያ መድሃኒት ንኹሎም ሕማማት ዝፍውስ ኣይኮነን” ብዝብል መልእኽትታት ተሰንዩ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ጨንፈር ምቊጽጻር መድሃኒትን መግብን ኣቶ ኢያሱ ባህታ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ንቕሓት ህዝብና ኣብ ውሑስ ተጠቃምነት ጸረ-ባክተርያ መድሃኒት ንምዕባይ ዝዓለመ ናይ ጎስጓስ መደብ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና፡ ኣብያተትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበር ፋርማሲ ኤርትራን ክካየድ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ብልምዲ ‘ፈውሲ ረኽሲ’ ኢልና እንጽውዖም መድሃኒታት፡ ብትእዛዝን መምርሒታትን በዓል ሞያ ጥዕና ጥራይ ክውሰዱ ዝተማሕጸነ ኣቶ ኢያሱ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና – ካብ 2019 ጀሚሩ፡ ሰብ-ሞያ ጥዕና ይኹኑ ሞያውያን ፋርማሲ በብደረጅኦም ክእዝዝዎ ዝግባእ ዓይነት መድሃኒት ዘነጽር መምርሒ ኣብ ተግባር ከውዕል ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ጥዕና እንስሳታትን ብቚልን ኣቶ ኣፈወርቂ ምሕረትኣብ ብወገኑ፡ ሓረስቶት ንጥሪቶም ካብ ሕማም ንምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ንምስባሕን ንምፍዋስን ኢሎም፡ ብፍኑው ጸረ-ነፍሳት መድሃኒታት ዓዲጎም ክጥቀሙ ከምዝረኣዩ፡ እዚ ከኣ ተጻውሮ ባክተርያ ንመድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ከምዘስዕብ ብምግላጽ፡ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ኣብ ኣትክልቲ’ውን ናይ መወዳእታ ምርጫ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ 1928 ዝተማህዘን ካብ 1943 ብባክተርያ ንዝስዕቡ ሕማማት ይኹኑ ረኽስታት ንምፍዋስ ብሰፊሑ ኣብ ተጠቃምነት ዝወዓለን ጸረባክተርያ መድሃኒት፡ ሓደ ካብ’ቶም ኣገደስቲ ዓይነታት መድሃኒት ኮይኑ፡ ብግቡእ ምስ እትጥቀመሉ፡ ኣብ ሰብ፡ እንስሳታትን ኣትክልትን ንዘጋጥም ረኽሲ ብኣድማዕነት ዝፍውስ፡ ብኣንጻሩ ምስ ዝኸውን ግና ከቢድ ጥዕናዊ ጸገማት ከምዘስዕብ’ዩ ዝግለጽ።

ዘይውሑስ ተጠቃምነት ጸረ-ባክተርያ መድሃኒታት፡ ተጻውሮ ባክተርያ ነቲ መድሃኒት ዘስዕብ ስለዝኾነ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካብ ቀንዲ ጥዕናዊ ስግኣት ዓለምና ኮይኑ ከምዘሎ፡ ሞያውያን ናይቲ ዓውዲ ይገልጹ።

Categories