ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ 17 ጥቅምቲ ሞቓዲሾ – ርእሰ ከተማ ሶማልያ ኣትዮም።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ሞቓዲሾ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ዓሊ ኸይረን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ዒሰ ዓወድን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ተቐቢሎምዎም።

እዚ ዑደት’ዚ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ድማ ብፍላይ ዝምዕብል ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ’ውን ብመሰረት’ቲ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ብ5 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ “ሓባራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ” ዝግበር ናይ ምምኽኻርን ምብጽጻሕን መደባት’ዩ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ወርቅነህ ገበየሁን፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ኸይረን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ዝምድናን ገስጋስ ናይ’ቲ ዝተኸተመ ሓባራዊ ኣዋጅን ድሕሪ ምምይያጥ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ብጽቡቕ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ክድግፍ ጸዊዖም።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 ነሓሰ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ ኣብ ቀዳማይ ርክብ ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ ኤርትራን ሶማልያን ምስታፉ ይዝከር።

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ እውን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ እዩ።

Categories