ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ ኣተገባብራ ልምዓታዊ መደባትን ኣገዳስነት ምዕዛዝ ኮማዊ ተሳትፎን ዘተኰረ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ ምስ ነበርትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣብ ዝገብሮ ርክብ፡ ተራ ብቑዕ ፍልጠትን ሞያን ዝዓጠቑ መንእሰያት ኣብ ኩሉ-መዳያዊ ህንጸት ሃገር ወሳኒ ብምዃኑ፡ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ወለዲ ድማ ብፍላይ ዓቢ ቈላሕታ ብምሃብ፡ ኣብ ምምእዛን መንእሰያት ተራኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።

ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምጽጋን ብክራማት ዝተበላሸወ ጽርግያታት፡ ከምኡ’ውን ስድራ ስዉኣት ኣብ ምሕጋዝ ንዘካይዶ ዘሎ ቀጻሊ ወፈራታት ዘመጐሰ ኣቶ ሃብታይ፡ ብዝሓየለ ውዳበታት ክቕጽሎ ተላብዩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ግደይ መንገሻ ብወገኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝርከብ ዘራእቶም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ ምክትታሎም ክቕጽሉ ተላብዩ።

ኣዛዚት ፖሊስ ንኡስ ዞባ ዓዲቐይሕ፡ ተለንተ ሓረጉ መንግስትኣብ እውን፡ ህዝቢ ጸጥታ ከባቢኡ ከውሕስ ምትሕብባሩ ምስ ፖሊስ ከዕዝዝ፡ ከምኡ’ውን ደቁ ብክብርታት ሕብረተሰብ ክዂስኲስ ኣዘኻኺራ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝርአ ጸገም ፍታሕ ክናደየሉ፡ ናይ ሓመድ ጽርግያ ሓዋጹ – ሓላይ ጽገና ክግበረሉ፡ ካብ ዝተወሰነ ታሪፍ ንላዕሊ ኣብ ዝሓቱ ወነንቲን መራሕትን ኣውቶቡሳት ዕቱብ ምክትታል ተገይሩ ስጒምቲ ክውሰደሎም ሓቲቶም።

Categories