ዓለምለኻዊት መዓልቲ ኣዋልድ፡ “ምሕያል ጓለንስተይቲ ብተሳትፎኣ” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 11 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ወኪል ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣባላት ማሕበረ-ሰብ ዲፕሎማሲን ካልኦት ዕዱማትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ምርግጋጽ መሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ – ሓደ ካብ ኣዕኑድ ዕላማታት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ጠቒሳ፡ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ፡ ክንዮ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ጉዳይ ምርግጋጽ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ብግብርን ብምልኣትን ዝተሰርሓሉን ዝስራሓሉ ዘሎን ምዃኑ ገሊጻ።

“ምዕሩይ ሱታፌ ደቂ-ኣንስትዮ መኽሰቡ – ንደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ሕብረተሰብ’ዩ’’ ዝበለት ፕረዚደንት ሃማደኤ፡ ንምዕባለ ደቂኣንስትዮ ዝዕንቅጹ ባህላዊ ልምድታትን ድሑራት ኣተሓሳስባታትን ኣብ ምልዋጥ፡ ናይ ሓባር ስራሕ ከምዝሓትት ኣዘኻኺራ። ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣዋልድ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ተጨቢጦም ንዘለዉ ምዕባለታት ብምዕቃብ፡ ዝተርፈና ብኣድማዕነት ንምዕማም ቃል እንኣትወላ ዕለት ከምዝኾነት ድማ ኣገንዚባ።

ወኪል ‘ዩኒሴፍ’ ኣብ ኤርትራ፡ ሚስስ ሻያ ኢብራሂም ብወገና፡ ውድባ፡ ህይወት ህጻናት ኣብ ምምሕያሽ፡ ጐዳእቲ ልምድታት ኣብ ምውጋድን ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ጽላታት ኣብ ምርግጋጽን፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሽርክነት ክሰርሕ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ምዕባለ ጓል-ኣንስተይቲ ዝዕንቅጹ ኣተሓሳስባታት ወጊድ ንምባል፡ ቃልሲ መላእ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ ኮለጅ ስነመድሃኒትን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ዶክተር ግደይ ገብረዮሃንስ፡ ንመርዓ ትሕቲ-ዕድመ ኣብ ኤርትራን ንዓኡ ዝደፍኡ ረቛሒታትን ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከተቕርብ እንከላ፡ ዘጋጠመን ብድሆታት ሰጊረን ኣብ ትምህርተን ዕዉታት ዝኾና ሰለስተ ኣብነታውያን መንእሰያት ድማ፡ ዘሕለፋኦ መስገደልን ምስጢር ዓወተንን ንተሳተፍቲ ኣካፊለን።

ዓለምለኻዊት መዓልቲ ኣዋልድ፡ ኣብ ኤርትራ ን2ይ ግዜኣ፡ ብዓለም ደረጃ ድማ ንሻብዓይ ግዚኣ እያ ተዘኪራ።

Categories