ኣብ ሃገራዊ መርመራ ካልኣይ ደረጃ ናይ ሰርትፊኬት ነጥቢ ዝረኸቡ ኣባላት መበል 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ብዝተፈጥረሎም ዕድል፡ ከድምዑሉ ዝኽእሉ ዓውደ-ስልጠና መሪጾም።

ብ2 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራጽ ስነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት መምህር ተስፋይ ተወልደ፡ ብቑዕ ሞያ ዝቐሰመ ሰብ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝኾነ ዓይነት ስራሕ ድልው ምዃኑ ኣረዲኡ።

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ ኣብ 3 ማእከላት ብ15 ዓውድታት ብግብሪን ክልሰ-ሓሳብን ከምዘሰልጥን ዝገለጸ መምህር ተስፋይ፡ ዝንባለን ድሌትን ደቂ-ሰብ ስለዝፈላለ ግዳ፡ ብድሌትን ምርጫን ዓርከ-መሓዛ ከይተጸልዉ፡ ከድምዑሉ ዝኽእሉ ዓውዲ ኣለልዮም ክመርጹን ኣበርቲዖ ብምስራሕ ብቑዓት ኮይኖም ንምውጻእ ክጽዕሩን ምዒዱ።

“ሞያዊ ማለት፡ ንኣካዳምያዊ ፍልጠት፡ ብክእለትን ጥበብን ብምስናይ ብቕዓት ምውናን ማለት’ዩ” ብምባል ከኣ፡ ተማሃሮ ተፈጢሩሎም ንዘሎ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ዕድል ብትግሃት ክጥቀሙሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ብወገኑ፡ ነቲ ስልጠናታት ዝበቅዕ ዘመናዊ መምሃሪ ናውቲ ተዋዲዱ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብቑዕ ክእለትን ፍልጠትን ብምጥራይ መጻኢ ህይወቶም ንምውሓስ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተላብዩ።

እቲ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ሎሚ ዓመት 960 ናይ ካልኣይ ዓመት፡ 510 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 1182 ድማ ናይ ቀዳማይ ዓመት፡ ብጠቕላላ 2142 ተመሃሮ ተቐቢሉ የሰልጥን ኣሎ።

Categories