ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ ካብ 18 ካሳብ 23 መስከረም ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ልዕሊ 87 ሽሕ ከብቲ፡ ጤለ-በጊዕ፡ ኣግማልን ኣድገበቕልን ተኸቲበን።

ኣወሃሃዲ ሕክምና እንስሳታት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መንእሰይ መብራህቶም መዝገበ፡ እቲ ኣብ 16 ነቑጣታት ዝተኻየደ መደብ፡ ኣብ ምውዳእ ወቕቲ ክራማት ምክያዱ ኣድማዕነት ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ወነንቲ ጥሪትን ዘርኣይዎ ምትሕብባር መጒሱ።

ሓረስቶት፡ ንሓጋይ ዝኸውን መግቢ እንስሳ ክእክቡን ጥዕና ጥሪቶም ክከታተሉን እውን ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሰለሙን መለስ ድማ፡ ጥሪት ንስግረ-ዶባዊ ሕማማት ቅሉዓት ብምዃነን፡ ሓረስቶት በብግዜኡ ንዝካየድ ወፍሪ ክታበት ብግቡእ ክጥቀሙሉ፡ ዘሰክፎም ተርእዮ ምስ ዝዕዘቡ ድማ ብኣጋ ንቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ክሕብሩ ተላብዩ።

Categories