ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብቕዓት ተመሃሮን ትምህርትን ንምምሕያሽ፡ ተሳትፎ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ወለድን ተመሃሮን ድማ ብፍላይ ክብርኽ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ብ22 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ርእሳነ-መማህራን፡ ሱፐርቫይዘራት፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኮሚተ ወለድን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ መምህር ገብረየሱስ መለስ፡ ጠንቂን ብዝሒን ምቊራጽ ተመሃሮ ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ብልክዕ ክፍለጥ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ውጽኢት ተመሃሮ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ንኽፍጠር ስሉሳዊ ዝምድና ወለዲ፡ ተመሃሮን መማህራንን ክሕይል ተላብዩ።

ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝርአ ዋሕዲ መሳለጥያታት ብሓፈሻ፡ ሰደቓታት ድማ ብፍላይ ክማላእ፡ መንበሪ መማህራን ቈላሕታ ክግበረሉ፡ ምትእትታው ዲጂታላዊ ኣብያተ-ንባብ ብዕቱብ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ መደብ ትምህርቲ ንዓበይትን ዓረዮትን ክሰፍሕ፡ ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢን ወለድን ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ክዓዝዝ፡ ጽገና ትሕተ-ቅርጺ ኣብያተ-ትምህርቲ ክትግበር፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝካየድ ጥዕናዊ ጐስጓሳት ክድፈኣሉ፡ ከምኡ’ውን ኮማዊ መዋእለ ህጻናት ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ቈላሕታ ክወሃቦ ተማሕጺኖም።

Categories