መስርሕ ህንጸት ሃገር፡ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ዘየቋርጽ ዕዮ ገዛ መንእሰይ ወለዶ ስለዝኾነ፡ መንእሰያት ንዕብየትን ብልጽግናን ሃገሮም ብዝለዓለ ክሰርሑ ከምዝግባእ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ብ29ን 30ን መስከረም ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ገሊጹ።

“ተራ መንእሰይ ኣብ ህንጸት ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ኣቶ ሳልሕ፡ ምዕቡል ሃገራዊ መንነትን ቊጠባን ንምህናጽ፡ ፖለቲካውን ኣካላውን ትሕተ-ቅርጺታት ምውናን ወሳኒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ክልቲኡ ተመላላኢ ስለዝኾነ፡ ሓዲኡ ጥራይ መሪጽካ ክትወስድ ከምዘይከኣል ብዝርዝር ኣብሪሁ።

“መስርሕ ህንጸት ኣካላዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ነዊሕን ብቓልሲ ወለዶታት ዝረጋገጽን እምበር፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተጀሚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን” ዝበለ ኣቶ ሳልሕ፡ ምስ ድሌታትን ባህግታትን ወለዶታት ብዓይነትን ስፍሓትን እናዛየደ ዝኸይድን፡ ቀጻሊ ናብዮት ዘድልዮን ስለዝኾነ፡ ብልዑል ንቕሓት ክስራሓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሃገራውነት፡ ሓድነት፡ ዘይተጸዓድነት፡ ርእሰ-ምርኰሳን ተጻዋርነትን ዝመለለዪኡ – ብረዚን ዋጋ ዝተዀስኰሰ ብሉጽ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ፡ መጻእቲ ወለዶታት ብዝግባእ ክወርስዎን ከውርስዎን ዜግነታዊ ግዴታኦም ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ተሳተፍቲ፡ ሃማመተኤ ኣብ ሳዋ ከፊትዎ ዘሎ ኣብያተ-ንባብ፡ ብቑዕ መሳለጥያታትን እኹል መጻሕፍትን ክዓጥቕ በቲ ኣጋጣሚ ተላብዮም።

Categories