ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ.)፡ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራቱ ንምጽምባል ከካይዶ ዝጸንሐ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ገሊጹ።

መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ “መብጽዓ ንብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብደረጃ ዞባታት ብዝተፈላለየ ንጥፈታትን መሰናድኦታትን ክዝከር ምዃኑ ብምሕባር፡ ወግዓዊ ጽምብል ድማ ዝመጽእ 17 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ከምዝካየድ ኣብሪሁ።

እቲ ጽምብል፡ ንጒዕዞ 25 ዓመታት ዘንጸባርቕ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ሰሚናራት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ካልእ መደባትን ከጠቓልል እዩ።

ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ህይወት ስንኩላን ኣብ ምምሕያሽ፡ ከምኡ’ውን ጥዕናኦም ኣብ ምሕላውን ማሕበራዊ ሕቶታቶም ኣብ ምምላስን ዓቕሙ ዝፈቕዶ ጻዕሪ ከምዘካየደ ዝሓበረ መምህር ገብረብርሃን፡ ብፍላይ ድርብ ወጽዓ ንዘለወን ስንኩላን ደቂኣንስትዮ ብምውዳብን ንዓአን ዝምልከት መጽናዕቲ ብምክያድን ንምሕጋዘን ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ናብዮት ስንኩላን ብዓቢኡ ኣብ እንግድዓ መንግስቲ ወዲቑ ምህላዉ ዝጠቐሰ መምህር ገብረብርሃን፡ ህዝብን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።

ስንኩላን፡ ስራሕ ክፈጥሩን ብኣታዊታቶም ክመሓደሩን ቀዳማይ ዕላማ ማሕበር ብምዃኑ፡ ኣባላት ብጉጅለታት ተጠርኒፎም ኣፍረይቲ ትካላት ክኸፍቱን ከከም ዓቕሞም ክሰርሑን ክግበር ምጽንሑን – ዘተባብዕ ገስጋስ ከምዘሎን ገሊጹ። ብውልቆም ንዝነጥፉ ዓቕሚ ማሕበር ኣብ ግምት ዘእተወ ደገፍ ከምዝግበረሎም እውን ሓቢሩ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ዝቘመ ናጻ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝተጠርነፉ ልዕሊ 18 ሽሕ ኣባላት ኣለዉዎ።

Categories