ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ያታውን ታሪኻውን ቅርሳዊ ውርሻታት፡ ብዝግባእ ተለልዮምን ተዓቂቦምን ኣብ ዝተፈለለዩ ኣጋጣሚታት መድመቒ በዓላትናን መንነትናን ንምግባሮም – ብዕቱብ ክስራሓሉ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ዞባ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ኣብ’ቲ ዓውዲ ምስ ዝነጥፉ ሞያውያን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብታሪኻዊ ሓድግታት፡ ያታዊ ቅርስታትን ቱሪዝማዊ ጸጋታትን ሃብታም ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እዚ ብዝግባእ ክምዝገብን ህዝቢ ከምዝፈልጦ ክግበርን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣብ’ቲ ዞባ፡ ወይዘሮ ዘይነብ ዑመር ብወገና፡ ተዳኺሙ ዘሎ ናይ ምስናድን ምዕቃብን ንጥፈታት ዝሕይለሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ንምክያድ መደብ ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ባህሊ ዝነጥፋ ኮሚተታት፡ ኣብ ምብርባር ናይቲ ጸጋታት ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ይገብራ ምህላወን ዝሓበረት ወይዘሮ ዘይነብ፡ ብሃታሃታ ዝሰላሰሉ መደባት ምሉእነት ስለዝጐድሎም ኣድማዕቲ ከምዘይኮኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ባህላዊ ውርሻታትን ያታዊ ወግዕታትን ዘተኰረ ዕቱብ መጽናዕቲ ክካየድ ከም ቀዳማይ ዕላማ ተታሒዙ ከምዘሎ ሓቢራ።

Categories