ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ19 መስከረም ኣብ ከተማ ኣቡዳቢ – ምስ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ተራኺቡ ዘትዩ።

ኣብ ቤተ-መንግስቲ ‘ኣልሻጢእ’ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሸኽ መሓመድን፡ ኣብ ምምዕባል ሕውነታዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ኤርትራን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ዘትዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መዳያት ቁጠባን ወፍርን ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ዕድላት፡ ንረብሓ ክልቲኤን ሃገራት ብዘገልግል ንምስሳኑ ብሰፊሑ ከምዝዘተዩ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ሸኽ መሓመድ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓልዮት ንጉስ ስዑዲ-ዓረብ ሰልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ብ16 መስከረም ዝተኸተማኦ “ስምምዕ ጅዳ” ኣድናቖቱ ብምግላጽ፡ እቲ ስምምዕ ንመስርሕ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ከደንፍዕ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ። ደገፍ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ንተራን ኣበርክቶን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን ሰላምን ጸጥታን ኣብ ዞባናን ዓለምን ሞጒሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሼኽ መንሱር ቢን ዛይድን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ተራኺቡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ዘትዩ።

Categories