ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ዃላን ሰገነይትን፡ ብምርባሕ ንህብን ደርሁን ዝሰልጠኑ 34 መንእሰያት ተመሪቖም።

እቶም መንእሰያት፡ 15 ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ 19 ድማ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ምዃኖም፡ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ዕላማ ናይ’ቲ ስልጠና፡ ሞያዊ ዓቕሚ መንእሰያት ብምጉልባት፡ ምንጪ ቊጠባዊ እቶቶም ንምውሓስ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ እዋን’ቲ ስልጠና ነፍሲ-ወከፎም ወርሓዊ 400 ናቕፋ ከምእተኸፍሎም ተሓቢሩ።

ንስራሕ ዘበግሶም ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ከም እተፈቕደሎም እውን ኣብቲ ናይ ምምራቕ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

Categories