ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 15 መስከረም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝኸተሙዎ ስምምዕ፡ ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝወደቦ፡ ክልተኦም መራሕቲ፡ ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽን ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን ኣብ ዝርከቡሉ ስነስርዓት ሎሚ ክጽንበል’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድን፡ ብ9 ሓምለ፡ ኣብ ኣስመራ ሓሙሽተ ዓንድታት ዘጠቓልል “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ምኽታሞም ይዝከር።

ክልተኦም መራሕቲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም፡ ብ24 ሓምለ 2018 ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝለዓለ ሽልማት – “ኒሻን ዛይድ” ከምዝተሸለሙ ይፍለጥ።

Categories