ናይ ሎሚ ዓመት ህጡር ክራማት፡ ንሓረስታይ ተስፋ ዝህብን ክሳብ ኣብ ቆፎኡ ዝኣቱ ጻዕሩ ክቕጽል ዘተባብዕን ምዃኑ፡ ሓረስቶት ንኡስ ዞባ መንደፈራ ገሊጾም።

ኣብ ግዜ ሓጋይ ብዝገበርዎ ቅድመ ምድላዋትን ጽቡቕ ሸፈነ ብዘለዎ እኹል መጠን ዝናብን ተሓጊዙ፡ ዘራእቶም ኣብ ደረጃ ምውላድ በጺሑ ምህላዉ ዝሓበሩ’ቶም ሓረስቶት፡ ዝተጠቕሙሉ ባህርያዊ ድዂዒ እውን ከምዝሓገዞም ሓቢሮም።

ዲጋታትን ራህያታትን እኹል ማይ ኣዋህሊለን ምህላወን፡ ዛጊት ዝተራእየ ባልዕ ዘራእቲ እውን ከምዘየለ ብምሕባር ከኣ፡ ቀጻሊ ሓለዋን ምክትታልን ክገብሩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ሓላፊ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ በረኸት ሃብተስላሰ፡ ክሳብ ሕጂ ብዝሃረመ 770 ሚሊ-ሜተር ዝዓቐኑ ዝናብ፡ 14 ሽሕ ሄክታር ዘራእቲ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዉ፡ ብፍላይ’ቲ ን200 ሓረስቶት ዝተዓደለ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ፡ መግሃጫታት እኹል ሳዕሪ ኣብቊሉ እንስሳታት ሓምላይ መግቢ ብምርካበን፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዋ ሓቢሩ።

Categories