ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ግብጺ ኣሰይድ ሳምሕ ሽኩሪ፡ ትማሊ 13 መስከረም ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ኣብ ህንጻ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሚኒስተር ሳምሕ ሽኩሪ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጺኡ ዘሎ ምዕባለታት ሰላምን ኣገዳስነት ምድንፋዑን ዘተኰረ መልእኽቲ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ሳምሕ ሽኩሪን ብተወሳኺ፡ ኣብ ገስጋስ ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ሽርክነታዊ መደባት ንምትግባርን ንምትሕግጋዝን ዝተኸተመ ውዕላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በቲ ሓደ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተገብረ ስምምዓትን መዳያት ትግባረኡን ድማ በቲ ኻልእ፡ ተዘራሪቦምን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦምን።

ሚኒስተር ሳምሕ ሽኩሪ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መብዛሕትኦም ዝተላዕሉ ጉዳያት፡ ርእይቶን መርገጺን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን ተመሳሳሊ ምዃኑ ክግንዘብ ከምዝኸኣለ ብምጥቃስ፡ ምዕዛዝ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ኣብ ቊጠባዊ፡ ጸጥታውን ካልእን መዳያት፡ ኣብ ምድንፋዕ መስርሕ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብወገኑ፡ ምብጻሕ ሚኒስተር ሳምሕ ሽኩሪ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ናይ ምምኽኻርን ምልውዋጥ ሓሳባትን ርክባት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኤርትራ – ተራ ግብጺ ኣብ ርግኣትን ሰላምን ናይ’ዚ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለእትኣምን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትደፍኣሉ ከምዝጸንሐት ገሊጹ። በዂሩ ዝጸንሐ ወሳኒ ዞባዊ ተራ ግብጺ፡ ምስ ምምጻእ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብ ስልጣን፡ ግቡእ ቦታኡ ንምትሓዙ ንዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ከምእትድግፎ ድማ ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ – ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰንን፡ ብወገን ሪፓብሊክ ግብጺ ድማ፡ ኣማኻሪ ሚኒስተር ኣሰይድ መሓመድ ኣልሙላን ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ ኣሰይድ ያስር ሃሽምን ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories