ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ድማ ብቐንዱ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ንምሃብ፡ ኣብ ገፈፍቲ ዓሳ መጽናዕቲ ዘካይዱ ሞያውያን ወዲቡ።

እቲ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰረ ጥዕናዊ ኣስተምህሮ፡ ዓለምለኻዊ ውድብ ጥዕና ለበዳ HIV ክሳብ 2030 ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራዱ ብዝኣመሞ መሰረት ይትግበር ከምዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ጨንፈር፡ ኤርትራ ከም ኣባል ናይ’ዚ ውድብ፡ ነቲ ዕላማ ንምስማር፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ውሁድ ጻዕሪታት ተካይድ ከምዘላ ገሊጹ።

HIV/ኤይድስ ኣብ ኤርትራ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ምዃኑ፡ እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ንምቊጽጻሩ ዝካየድ ጻዕሪታት ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ሓላፊ ኣሃዱ ምቊጽጻር HIV/ኤይድስ ኣቶ መሓመድ ንጉስ፡ እዚ ዘተባብዕ ደኣ ይኹን’ምበር ዘዛኒ ግን ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ገብረሂወት ኣረጋይ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ንምዕዋት፡ ኣብቲ ኣስተምህሮ ዝተሳተፉ ክኢላታት ብዕቱብ ክሰርሑ ተላብዩ።

Categories