ኣብ ዞባ ደቡብ ዝነጥፋ ኣብያተትምህርቲ ምምራሕ መኪና፡ ብቑዓትን ሓላፍነታውያንን መራሕቲ መካይን ብምፍራይ ኣብ ምንካይ ሓደጋታት ተራአን ከዕዝዛ፡ ሓላፊ ጨንፈር መጐዓዝያ ምድሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ መሓሪ ሃብተ ጸዊዑ።

ኣብ መንደፈራ፡ ድባርዋ፡ ዓዲ-ዃላ፡ ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ዓዲ-ቐይሕን ሰንዓፈን፡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ዘምህራ 22 ኣብያተ-ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣቶ መሓሪ፡ ኣብ’ቲ ዝህባኦ ኣገልግሎት፡ ካብ ንረብሓታተን ድሕነት ከቐድማ ተላብዩ።

“75 ሚእታዊት ካብ ተማሃሮኣ ዘየሕለፈት ቤት-ትምህርቲ፡ መርኣያ ዘይብቕዓታ እዩ” ዝበለ ኣቶ መሓሪ፡ ዝተዋህባ ፍቓድ ክሳብ ናይ ምስራዝ ውሳነ ክብየነላ ከምዝኽእል ኣገንዚቡ። ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ – ትሑትን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝተሓጽረን ኮይኑ ምህላዉ ብምሕባር ከኣ፡ ከም ሞያ ሒዘን ናብ ሳልሳይን ልዕሊኡን ደረጃታት ከቋምታ መኺሩ።

ወነንቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ብወገኖም፡ ሓላፍነቶም ንምትግባር ብግብሪን ክልሰ-ሓሳብን ዝተሰነየ ግቡእ ትምህርቲ ንምሃብ ብዕቱብ ከምዝሰርሑ ብምርግጋጽ፡ ተመሃሮ እውን ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዝለዓለ ክሰርሑ ተላብዮም።

Categories