ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ዝውዕል፡ 10,800 ዶላርን 3030 ዩሮን ከምዘበርከቱ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ሚኒስትሪ፡ ኮሚቴ ምሕጋዝ ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ከተማ ሉዛን-ስዊዘርላንድ 10,800 ዶላር ንምጥያስ ስድራ ስዉኣት፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ማንሃይምን ከባቢኣን – ጀርመን ንመናበዪ ስድራ ስዉኣት 1,530 ዩሮ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ዱዘልዶርፍ – ጀርመን ድማ ኣብ ርእሲ’ተን ቅድሚ ሕጂ ክናብይወን ዝጸንሑ ስድራ-ቤታት ስዉኣት – ክልተ ንምውሳኽ 1,200 ዩሮ ወፍዮም።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ልደታ ማርያም ማንሃይምን ከባቢኣን-ጀርመን እውን፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 300 ዩሮ ኣበርኪታ።

Categories