ብምኽንያት በዓል ቅዱስ የውሃንስ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላን ዝተወደበ ህዝባዊ ባህላዊ መደብ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ-ዃላ ተኣንጊዱ።

ኣብ’ቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ወከልቲ ህዝቢን ዝተረኽቡሉ መደብ፡ ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ተስፋይ ኣብርሃ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቅዱስ የውሃንስ፡ ብጽቡቕ ክራማት ኣብ ዝተሰነየ ናይ ሰላም ሃዋህው ይብዕል ብምህላዉ – ዝያዳ ድምቀት ከምዝረኸበ ገሊጹ። ነቲ ጽምብል ንምድማቕ ንዝተሳተፉ ኩሎም ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ድማ ኣመስጊኑ።

እቲ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ቀይሕ መሬት ብዘቕረበቶ ዝተፈላለየ ደርፍታትን ካልእ መሰናድኦታትን፡ ደሚቑ ውዒሉ።

Categories