ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን፡ ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ዝኣኸለ ኣመሓደርቲ ከባቢታትን ኣካየድቲ ስራሕን ንምትካእ፡ ምርጫታት ተኻዪዱ።

ኣብቲ ንሰለስተ ዓመታት ዘገልግሉ ንምምራጽ ዝተኻየደ መደብ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ነቚጣ ምርጫ 5 ሰባት ንውድድር ድሕሪ ምቕራብ፡ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸቡ ክልተ – ንኣመሓዳሪን ኣካያዲ ስራሕን ተመሪጾም።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት፡ ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ብዝግባእ ክትግብሩ፡ ህዝቢ ድማ ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ክተሓባበሮም ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 14 ምምሕዳራት ከባቢ ምርጫታት ኣመሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ከም እተኻየደ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

Categories