ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሃስያ ዘውርዱ ልምድታት ንምውጋድ – ዝካየዱ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን፡ እወታዊ ውጽኢት ይርከቦም ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፡ ንጥፈታት ናይተን ኣብ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተዋፈራ ኮሚተታት ድሕነት ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ንምግምጋም፡ ብ6 መስከረም ኣብ ከተማ ናቕፋ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ።

ብመሰረት’ቲ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻብ፡ ዝተኻየደ ጐስጓሳት ኣብ ምብራኽ ኣፍልጦን ርድኢትን ሕብረተሰብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ስለዝገበረ፡ ቊጽሪ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝመላለሱ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ቊጽሪ ናይ’ተን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሓርሳ ኣዴታት ድማ ብፍላይ ከምዝዓበየ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ያዕቆብ እድሪስ፡ እተን ኮሚተታት ይኹና ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና ዝነጥፉ ሞያውያን፡ በዚ ከይተዛነዩ ንዝበረኸ ውጽኢት ክሰርሑ ተላብዩ።

Categories