ኣባላት ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕርን ማእከል ኣገልግሎት ንቑታን፡ ኣብ ስነህይወታዊ ብዙሕነት ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎ ብከላ ኣከባቢ ንምክልኻል፡ ውሽጢ ባሕሪ ናይ ምጽራይ ተበግሶታት ክወስዱ ጀሚሮም።

ኣባል ማእከል ኣገልግሎት ንቑታ ኣቶ ጴጥሮስ ርእሶም፡ ነቲ ብውሱን ደረጃ ኣብ ከባቢ ቀጽሪ’ቲ ማእከል ተጀሚሩ ዘሎ ወፈራ፡ ኣብ መጻኢ ብዝሰፍሐ ንምክያዱ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣባል ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ ተስፋኣለም ኣረፈ ብወገኑ፡ በካሊ ባእታ – ንምክልኻሉ ጌና ኣብ ደገ እንከሎ ስለዝቐልል፡ ዜጋታት ብሓፈሻ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ኣትኲሮ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ሓላፊ ጨንፈር ኣከባቢ ኣቶ ሰመረ የውሃንስ እውን፡ ንተበግሶ ናይ’ቶም ሰራሕተኛታት ብምምጓስ፡ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ክስዕቦ ዘለዎ ቅዱስ ተበግሶ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብከላ ኣከባቢ ኣብ መላእ ዓለም ኣሰካፊ ተርእዮ እናኾነ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ንጽህና ገማግም ባሕርና ካብቲ ሓሓሊፉ ዝርአ ዘሎ በካሊ ባእታታት ንምክልኻል፡ ሰፋሕቲ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮታትን ከምዘድሊ ድማ ኣዘኻኺሩ።

Categories