ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ክልተ መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ ደባይሲማ – ቡሬን ሰርሓ – ዛላምበሳን፡ ትማሊ 11 መስከረም ብወግዒ ተኸፊቱ።

ነዚ ድሕሪ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት ምቊራጽ፡ ንምንቅስቓስ ህዝቢን ንብረትን ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ዝተኸፍተን፡ ምስ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝተኣሳሰርን ኣገዳሲ መስመራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን እዮም ብኣካል ተረኺቦም ምኽፋቱ ኣበሲሮም።

ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ከባቢ ቡሬ ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበ-ስልጣንን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ኤታ ማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነንን ተሳቲፎም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሱልጣን ረሓይታ ዓብዱልቃድር ዳውድ ዝርከቦም ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ከምኡ እውን ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ከባቢ ቡሬ ንምኽፋት ናይቲ መስመር ንምብሳር ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ድሕሪ ምስታፎም፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ናብ ኣስመራ ብምምላስ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናብ ነቚጣ ዶብ ሰርሓ – ዛላምበሳ እዮም ኣምሪሖም።

ኣብ’ቲ ከባቢ – ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን፡ ምስኣቶም ብዝተጓዕዙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፡ ከምኡ’ውን ብህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ተሰንዮም፡ ምኽፋት ናይ’ዚ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ዝጸንሐ – ምስ ወደብ ባጽዕን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ዝተኣሳሰር መስመር ኣበሲሮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ’ዚ ድርብ ጽምብላት ተሳቲፎም ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሱ፡ ስነ-ስርዓት ምፍናው ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እዩ ተኻዪዱ።

ብ9 ሓምለ 2018 ዝተኸተመ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን”፡ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መጐዓዝያ፡ ንግዲን ቴሌኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅምሩ ዝብል ነጥቢ ይርከቦ።

በዚ መሰረት፡ ቀጥታዊ ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ብ9 ሓምለ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ኣየር ብ18 ሓምለ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ባሕሪ ድማ ብ5 መስከረም ከምዝጀመረ ይዝከር።

Categories