ጽሬት ከተማ ኣስመራ ንምውሓስ፡ ቀጻሊን ውሁድን ስራሕ ከምዘድሊ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ጽሬት፡ ኣታኽልትን ዕንባባታትን ኣቶ ፍጹም ሃይለ ኣዘኻኺሩ።

ኣስመራ፡ ከም ርእሰ-ከተማ ኤርትራ መጠን፡ ጽሬታ ሓልያ ንኽትቅጽል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጨንፈር – ኣዋፊርዎ ዘሎ ናይ ሰብን ማሺነሪን ዓቕሚ፡ ብምትሕብባር ኣካላት መንግስቲ ብዝሓየለ ክሰርሑሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

“እናዘራ ጓሓፍ ዝእክባ መካይን ኣገልግሎተን ንህዝቢ ስለዝኾነ፡ ቀዳማይ ተቘጻጻሪአን ህዝቢ እዩ ክኸውን ዘለዎ’’ ዝበለ ኣቶ ፍጹም፡ ዋላ’ኳ ምቁጽጻር ዝግበረለን እንተዀነ፡ ክበጽሓኦ ዝግባእ ከባቢታት እንተዘይበጺሐንን ግቡእ ኣገልግሎት ይህባ እንተዘየለዋን፡ ህዝቢ ናብ ምምሕዳሩ ከመልክት፡ እተን ረሳሕ ፈሳሲ ዝመጣ መካይን እውን ዝህባኦ ኣገልግሎት ብሕጋዊ ቅብሊት ጥራይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ጽሬት ብዘይምትሕብባር ህዝቢ ክሰምር ስለዘይክእል፡ ርስሓት ካብ ቢዶኒ ወጻኢ ከይጒሓፍ፡ ብፍላይ ድማ ናይ ፕላስቲክ ጓሓፋት ፈቐዶኡ ከይድርበዩ ብምትሕስሳብ፡ ኣብ እዋን በዓላት ብፍላይ ልዑል ጥንቃቐ ክግበር ተላብዩ።

Categories