ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ካብ ከበሳ ብዝወርድ ውሕጅ ዝተሃስየ መሬቶምን፡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነ ትሕተ-ቅርጺን ብምፍዋስ – ግራውቶም ብግቡእ ንምስታይ ዕቱብ ስራሓት የሰላስሉ ኣለዉ።

በቲ ሩባ ዝሓልፍ ውሕጅ ዓቢ ብምዃኑ፡ ብደገፍ ኣብዑርን ትራክተራትን፡ ኣብ ምጽጋንን ምስራሕን ዓግማትን ጀሪፋትን ይነጥፉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ሓረስቶት፡ ሎሚ ዓመት ብህጡር ክራማት ከበሳ ግራውቶም ጽቡቕ ስለዝሰተየ፡ እቶታውነቶም ብኡ መጠን ከምዝብርኽ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

Categories