ኤርትራውያን ተቐማጦ ጅዳ – ስዑዲ-ዓረብን ሎስ-ኣንጀለስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ዝኽሪ መበል 57 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ጸምቢሎም።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ኣብ ጅዳን ከባቢኣን ብ30 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ሳልሕ ማሕሙድ ሳበ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ጉዕዞ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ዝተዀስኰሰ ክብርታት ምዕቃብን ምውራስን ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሎስ-ኣንጀለስን ከባቢኣን ብሓደ መስከረም ኣብ ዘካየድዎ ጽምብል፡ ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ፡ ከም ህዝቢ ጥምረትና ብምድልዳል ሃገር ንምህናጽን ንምምዕባልን እነካይዶ ጻዕሪ ንምሕያል – ቃልና እነሐድሰሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን፡ ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ብ2 መስከረም፡ ኣብ ሕግን ኣሰራርሓ ትካላት ሕግን ዘተኰረ ዓውደዘተ ኣካዪዶም።

እቲ ብክኢላ ሕጊ ኣቶ ኣማኑኤል ኤልያስ ዝተመርሐ ዓውደ-ዘተ፡ ብቐንዱ ኣብ ሕግታት ኢምግረሽን፡ ሲቪላውን ገበናውን ሕግታትን ሕጊ ዕዮን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ዘተኰረ ምንባሩ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ። ዕላማኡ ድማ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዛዕባ ሕግን ኣሰራርሓ ትካላት ሕግን ናይቲ ሃገር ዘለዎም ኣፍልጦን ንቕሓትን ብምዕባይ፡ መሰላቶምን ግቡኣቶምን ብግቡእ ንምፍላጥ እዩ።

Categories