ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ንኣምን – ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ብጋንታታት ተወዲቦም ኣብ ምጽጋን ጽርግያን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዘተኰረ ሰፊሕ ወፈራዊ ልምዓት የካይዱ ኣለዉ።

በቲ ንመዓልቲ ኣስታት 300 ጉልበት ሰብ ዝሳተፎ ዘሎ ወፈራታት፡ ኣብ መስመር ጽርግያ ዓዲ-ንኣምን – ደቂ-ሽሓይ ዝተጀመረ ናይ ጽገና ንጥፈታት ብዝሓየለ መልክዑ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ እቲ ዕላማ ድማ፡ ብመስመር ዓዲ-ቢደል እትመላለስ ኣውቶቡስ ሓራት፡ ብመስመር ኣስመራ – መቐርካ – ዓዲ-ንኣምን – ደርሰነይ ብምቕያር፡ ዝበዝሐ ነባሪ ኣገልግሎት ከምዝረክብ ንምግባር ምዃኑ፡ ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ ስራሕ ሓቢሮም።

እቲ ብክኢላታት ሕርሻ እናተመርሐ ዝሰላሰል ዘሎ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዘተኰረ ወፈራታት ድማ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓልን ፍግረ-መሬት ንምክልኻልን ምዃኑን፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎን፡ ክኢላ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣቶ ዳልሽ ተስፋይ ገሊጹ።

ሓላፊ ምክትታል ምምሕዳራት ከባቢን ፕሮጀክታትን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ኢያሱ ሃይለ ድማ፡ ኣብ መስመር ኣስመራ – መቐርካ – ደርሰነይ ኣቋሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ሓራት፡ ቈላሕታ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቡ። ነበርቲ እውን፡ ኩባንያ መጐዓዝያ ሓራት፡ ንሕቶኦም ብእወታ ክምልስ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ዓዲ-ንኣምን፡ ሓንቲ ካብ 22 ዓድታት ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኮይና፡ ኣስታት 4500 ህዝቢ ይነብራ።

Categories