ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኣውህነ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ-ለጂን ደርዓን – ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ህዝቢ ንዘሰከሞም ሓላፍነት ብቕንዕና፡ ተወፋይነትን ጽፈትን ከተግብሩ፡ ኣብ ገስጋስ መደባት ልምዓት ድማ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ብወገኖም፡ ኣሚኑ ዝመረጾም ህዝቢ ንምግልጋል ብዘይተጉላባነት ክሰርሑ ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ምትሕብባር ህዝቢ ከይፍለዮም ተላብዮም።

እቲ ምርጫ፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ 17 ምምሕዳራት ከባቢ እውን ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories