ኤምባሲ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ (ፈ.ደ.ሪ.ኢ) ኣብ ኣስመራ፡ ትማሊ 6 መስከረም ብወግዒ ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ብናይ ክብሪ ሰልፊን ሃገራዊ መዝሙር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ብሓባር – ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ዘንጊ ድሕሪ ምስቃል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ መፍትሕ ናይ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣረኪብዎ። ክልቲኦም መራሕቲ፡ ነቲ ህንጻ ተዘዋዊሮም እውን ተዓዚቦምዎ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ብ16 ሓምለ 2018 ብተመሳሳሊ ማዕርግ ብወግዒ ከምእተኸፍተ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ዛዚሙ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ ተፋንዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ ንፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ብክብሪ ኣፋንይዎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማሊያ ኣምባሳደር ኣሕመድ ዒሰ ዓወድ ብዛዕባ መጻኢ ዝምድና ኤርትራን ሶማሊያን ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንዝበለጸ ምትሕግጋዝን ርክብን እቲ መንገዲ ጽቡቕ ተመድሚዱ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories