ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ብ5 መስከረም ኣብ ህንጻ ሃገር – ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ርክብ፡ ኣብ ምድንፋዕን ምድልዳልን ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም።

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ትስፉው ምዕባለታት፡ ብናይ ሓባር ርድኢትን ምትሕግጋዝን ንምምዕባሉ – ድርኺት ንምፍጣር ድሕሪ ምምይያጥ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ሰባውን ባህርያውን ጸጋታተን ኣወሃሂደን እንተደኣ ሰሪሐን፡ መጻኢ ናይ’ዚ ዞባ ብሩህ ከምዝኾነ ኣስሚሮምሉ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ፡ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ኣርባዕተ ዓንድታት ዘለዎ “ሓባራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ” ከቲመን። ነቲ ሰነድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ክታሞም ኣንቢሮምሉ።

እቲ ሰነድ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኤርትራን ዘለዎም ጂኦግራፊያዊ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ምትእስሳርን ሓባራዊ ረብሓን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ብምኽባር፣ ዝጸንሐ ታሪኻዊ ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ብሓባር ክሰርሓ፣ ከምኡ’ውን ንትግባረ ናይ’ቲ ነጥብታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚተ ክምስርታ ዝብል እዩ።

ብድሕሪ ምኽታም ናይቲ ስምምዕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣምባሳደር ኣሕመድ ዒሰ ዳውድን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ህዝብታት ሰለስቲአን ሃገራት፡ ብጂኦግራፍ፡ ታሪኽ፡ ሃይማኖትን ብካልእ ሓባራዊ ጉዳያትን ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ፡ እቲ ኣዋጅ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብዛዕባ’ቲ ስሉሳዊ ርክብ ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ምዃኑ ጠቒሱ፡ “ኣካል ናይ’ቲ ተዀሊፉ ዝጸንሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምምዕባል፡ ምሕያልን ምትሕብባርን ራእይና – እንደገና ናብ ቅኑዕ መስመሩ ንምምላሱ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ መደብ ኣብ’ዚ ከይተሓጽረ፡ ጂቡቲ፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን እውን ከምዝጽንበራኦ ክግበር ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ የማነ፡ እዚ መድረኽ ንኽብጻሕ፡ ህዝብታት – ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝኸፈልዎ መስዋእትን ዘርኣይዎ ጽኑዕ ተወፋይነትን ረዚን ምዃኑ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንምብጻሕ ድማ እቲ ቃልሲ ክቕጽል ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ብ5 መስከረም ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዮም፡ ንመደባት ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ተዓዚቦም።

ኣዳራሽ ምርኢት ዞባታት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከባ ትካላት ዝቐረበ ምርኢት ባዛርን ካልእ መሰናድኦታትን – እናተዘዋወሩ ተዓዚቦምን መብርሂ ተዋሂብዎምን።

Categories