ልኡኽ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ፡ ካብ 1 ክሳብ 4 መስከረም፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ዑደት ኣካዪዱ።

እዚ 44 ኣባላት ዝሓቘፈን ብኣቦመንበር’ቲ ኮንፈደረሽን ኣቶ ካሳሁን ፈሎ ዝተመርሐን ልኡኽ፡ ብዋና ጸሓፊ ሃኮሰኤ ኣቶ ተኸስተ ባይረን ካልኦት ሰብ-መዚ’ቲ ኮንፈደረሽንን ተሰንዩ፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን ዝርከባ ኣፍረይቲ ትካላትን ቦታታት ልምዓትን በጺሑን ብዛዕባ’ቲ ስራሕ መብርሂ ተዋሂብዎን።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ፡ ፋብሪካ ዓለባ ‘ዛኤር’፡ ፋብሪካ ቢራ ኣስመራ፡ ዲጋታት ጠቐራን ምስላምን፡ ፋብሪካ ፕላስቲክ ባጽዕ፡ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ታሪኻዊ መስጊድ ሰሓባ፡ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ገማግም ጎርጉሱም፡ ከምኡ’ውን ዲጋ ጋሕቴላይ በጺሑ። መደባት ፈስቲቫል ኤርትራ-2018 እውን ተዓዚቡ።

ልኡኽ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን መደባት ምልውዋጥ ተመኲሮን ዘተኰረ ርክብ ኣካዪዱ።

ዕላማ ዑደቶም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኮንፈደረሽናት ዝምድና ንምምስራትን ንምድልዳልን፡ ኣብ ኤርትራ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ብኣካል ንምዕዛብን ሓድሕዳዊ ተመኲሮ ንምልውዋጥን ምዃኑ፡ ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ኮንፈደረሽን ኣቶ ብርሃኑ ደሪባ ንኤሪና ገሊጹ።

Categories