ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ዓሳ ኣብ ጥዑም ማይ ብምርባሕ ተጠቃምነት ስጋ ዓሳ ኣብ መኣዲ ንምዕባይ ዝሕግዝ ኣስተምህሮ፡ ብ28ን 30ን ነሓሰ ተዋሂቡ።

ዕላማ’ቲ ብደረጃ ዞባ ኣብ ዝተመርጻ ዲጋታት ሙሻን ዒላበርዕድን ንነበርቲ ዝተዋህበ ብግብሪ ዝተሰነየ ኣስተምህሮ፡ ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከብ ጥዑም ማያት ዓሳታት ብምርባሕ፡ ኣብ ኣመጋግባኡ ንኸዘውትሮ እዩ።

ኣብቲ ኣስተምህሮ፡ ዓሳታት ካብ 20 ክሳብ 32 ዲግሪ ሰንቲግረይድ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ኣየር ኣብ ጥዑም ማይ ክራብሑ ከምዝኽእሉ፡ ዞባ ዓንሰባ ድማ እዚ ዓይነት ክሊማ ስለዝውንን ንምፍራይ ዓሳታት ምቹእ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ክኢላ ናይዚ ዓውዲ፡ ኣቶ ሰለሙን በረኸትኣብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ 18 ዲጋታት መጽናዕቲ ከምእተኻየደ፡ ካብኣተን ድማ ኣብተን ቀጻልነት ማይ ዘለወንን ካብ ድበት ናጻ ዝኾናን ዲጋታት ሓሽፈራይ፡ ሓልሓል፡ ሙሻ፡ ሻርኪ፡ ሽዕብ-ሰለባ፡ ገርብጩኽ፡ ዋራ፡ ደቂ-ዘርኡ፡ ደቂ-ገብሩ ከምኡ’ውን ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዲጋታት ጀርዲን ዒላ-በርዕድ እቲ መደብ ይትግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ዓንሰባ፡ ጉጅለታት ገፈፍቲ ብምቛም፡ ዘድሊ ትምህርቲ ኣስኒቑን ምሉእ ናውቲ ኣዕጢቑን፡ ንስራሕ የበግስ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

Categories