ታሪኽ ህይወትን ቃልስን ጀማሪ ሰውራ ኤርትራ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ – ካብ 1915 ክሳብ 1962 ዘዘንቱ፡ ብተጋዳላይ ሃይለስላሴ ወልዱ ዝተዳለወ መጽሓፍ፡ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 57 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ1 መስከረም ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተመሪቑ።

ነዚ ልዕሊ 500 ገጻት ዝሓዘን፡ ንሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ከም ሰብን ከም ተጋዳላይን ዝገልጽን ሓቀኛ ፍጻመታት ዝሓቘፈ መጽሓፍ ንምድላው፡ ልዕሊ 35 ዓመታት ከምዝወሰደ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ደራስን ናይ ታሪኽ ተመራማራን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ደራሲ ሓበሬታ ንምእካብ ንዝሓለፎ ከቢድ ጻዕሪ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ውልቀ-ሰባት ዝሓዘ ናይ ፈለማ ስራሕ ምዃኑ – ኣብ መጻኢ ውልቀታሪኽ ናይ ሰባት ክጽሕፉ ንዝደልዩ ባይታ ኣንጺፉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ገምጋም መጽሓፍ ዘቕረበ ካብ ምርምርን ስነዳን ህግደፍ መንእሰይ ሰላሓዲን ዓሊ ብወገኑ፡ እቲ መጽሓፍ፡ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ 12 ምዕራፋ – ካብ ስድራቤታዊ ድሕረባይታኡ፡ ክሳብ ኣብ ዕስክራና ጣልያን ዘሕለፎ ግዜን ዘጥረዮ ወተሃደራዊ ተመኩሮን፡ ግዜ ሽፍትነትን ዝሰዓበ ኩነታትን ብምዝንታው፡ ንኣጀማምራ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሳጢ ኣገባብ ከምዘዘንቱ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ኣዳላዊ መጽሓፍ ተጋዳላይ ሃይለስላሴ ወልዱ፡ ከይተሓለለ መብጽዓኡ ብምፍጻሙ ዝተሰመዖ ሓጐስ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንስድራ-ቤት ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ቅዳሕ ናይ’ቲ መጽሓፍ ህያብ ኣበርኪቱ።

Categories