ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣስመራ ንመዓልታት ዘጋጠመ ምቊራጽ ኤለክትሪሲቲ ንምትዕርራይ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎን ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከምዝበጽሐን ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኮርፖረሽን ኣካያዲ ስራሕ ጨንፈር ዕደላን ፕሮጀክትን ኢንጅነር ኣብርሃም በርሀ፡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ብሰንኪ ሓያል ንፋስ ዘሰነዮ ዝናብ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ምቁራጽ ከምዘጋጠመን ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ጸቕጢ ከምዝፈጠረን ጠቒሱ፡ ትካሎም ነቲ ጸገም ኣለልዩ ንምፍታሕ ቀትርን ለይትን ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ ምቕናዩ ሓቢሩ።

“ክረምታዊ ዝናብ ንቡር’ዩ” ዝበለ ኢንጅነር ኣብርሃም፡ እቲ ከፊኡ ዘሎ፡ ኣብ ቀጽሪ ኣባይቲ ዝርከብ ኣግራብ ብንፋስ እናተነነወ ገመድ ኤለክትሪክ ስለዝልሕጽ፡ ዝናብ ክሃርም እንከሎ ኤለክትሪክ ናብ መሬት ብምልሓዂ ሓደጋ ከውርድን ምብታኽ ገመድ ከስዕብን ምጽንሑ ብምሕባር፡ ህዝቢ ኣብ ቀጽሪ ቤቱ፡ ትካላት ድማ ኣብ ቦታ ስርሐን ዝርከብ ምስ ዓንዲ ኤለክትሪክ ዝተራኸበ ኣግራብ ክቘርጽን ቀጻሊ ምክትታል ክገብርን ተላብዩ።

ኢንጅነር ኣብርሃም፡ ብሰንኪ ጉድለት ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ዝተበላሸወ ኤለክትሮኒካዊ ንብረት ምስ ዝህሉ፡ ትካሎም ኣጻርዩ ክኽሕስ ግዴታ ከምዘለዎ ኣነጺሩ።

Categories