ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ-2018፡ “ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 31 ነሓሰ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ዕዱማት ኣጋይሽ፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ካብ ኩለን ዞባታት ዝመጹ ተሳተፍቲ ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብትልሂት ትሽዓቲአን ብሄራትና ዝተሰነየ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሉ፡ ቀሪቡ ንዘሎ ኤግዝቢሽን፡ መሃርትን ኣዘናጋዕትን መደባት፡ ከምኡ’ውን ንብዙሕነት ኣነባብራ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ መሰናድኦታት ተዘዋዊሩ ተዓዚቡን፡ ብኣቕረብቲ መብርሂ ተዋሂብዎን።

ብዘይካ’ዚ፡ ንክብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ኣጋይሽን፡ ኣብ ህድሞ ዞባ ማእከል ናይ ቁርሲ እንግዶት ተኻዪዱ።

ኣካያዲ ስራሕ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት፡ ኣቶ ተስፋይ በርሀ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ፈስቲቫል-2018 ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶታት፡ ብዓይነቱን ኣቀራርባኡን ምስ እንኣትዎ ዘሎና መድረኽ ሰላም ዝሳነ – ፍሉይ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ህዝቢ ንያታዊ ባህሉን መንነቱን ብዝወርሰሉ ኣገባብ ክዕዘቦን ብዝግባእ ከስተማቕሮን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 8 መስከረም ዝቕጽል ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ምርኢት ማእከል ትምህርትን ዳህሳስን ቈልዑ፡ ደምበ ህጻናት፡ ስእላዊ ምርኢት፡ መሸጣ መጻሕፍቲ፡ ምርኢት ባዛር፡ ዕላል ምስ ገዳይም ስነ-ጥበባውያን፡ ምርኢት ፍሉይ ተውህቦ፡ ከምኡ’ውን ውዕሎ ኤክስፖን ካልኦትን ዘጠቓልሉ መሰናድኦታት ክቐርቡ እዮም።

Categories