ኣብ ንኡስ ዞባ ጎኜ፡ ተጠቃምነት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ድማ ብፍላይ ንምዕባይ – ወከልቲ ህዝቢ ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ብ26 ነሓሰ ተቓኒዑ።

ንኣገልግሎት ትምህርቲ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ – ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ መጎራይብ ወሲኽካ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ 17 ትካላት ትምህርቲ ከምዘለዋ፡ ተሳታፍነት ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ስለዘይበጽሐ ግን – ዕድሚኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ህጻናት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምእንቲ ክለኣኹ፡ ተራ ዓበይቲ ዓድን ዝምልከቶም ኣካላትን ክዓዝዝ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣገልግሎት ጥዕና ብዝምልከት፡ ማእከል ጥዕና ጎኜን ኣብ ታካውዳ እትርከብ መደበር ጥዕናን ዝህባኦ ኣገልግሎት፡ ምስ’ቲ ኣባላተን እናተንቀሳቐሱ ዝህብዎ ኣገልግሎትን ብወከልቲ ጥዕና ዓዲ ዝካየድ ንጥፈታትን ተደሚሩ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተሰብ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ዝምስገን ስራሕ ይትግበር ከምዘሎ በሪሁ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎኜ ኣቶ ተስፋኣለም ባህታ፡ ተጠቃምነት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብመጠን ብዝሒ ህዝቢን ዝርጋሐአንን ክብ ንምባሉ ውሁድ ስራሕ ክካየድ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ ኣዝዩ ትሑት ስለዘሎ ንምምሕያሹ ዕቱብ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ፡ ድሩትነት ትካላት ጥዕና እውን ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቓልቦ ክገብረሉ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብደቂቕ ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ሕብረተ-ሰብ ንምብራኽ ዝሕግዙ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም።

Categories