ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ ኣብ ወለንታዊ ልግሲ ደም ድማ ብፍላይ ክብ ንምባል – ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ምስ ኣባላት ማሕበር፡ ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ምስሳን ትሕዝቶ ባንክ ደም፡ ኣብ ግዜ ሓደጋታት ይኹን ኣብ እዋን ሕርሲ ብስእነት ደም እትሓልፍ ህይወት ንኸይትህሉ ዝግበር ምድላዋት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩሉ ዜጋ ክሳተፎ ዝግባእ ቅዱስ ተግባር ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣቶ ሃይለ ወሲኹ፡ እቲ ጉዳይ ገና ከም’ቲ ዝድለ ስለዘይሰረጸ፡ ሰብ-ሞያ ጥዕና ንቕሓትን ኣፍልጦን ሕብረተሰብ ንምብራኽ ዝገብርዎ ጻዕሪን ጐስጓሳትን ቀጻልነት ክህልዎ፡ ኣገባባትን ሜላታትን ኣጐሳጒሳ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክፈላለ ስለዝኽእል ድማ፡ መምስ ከባቢኡ ዝኸይድ ስርሓት ከካይዱ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ባንክ ደም ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዞባ ክህሉ፡ ወለንታውያን ለገስቲ ካርድ ኣባልነት ክህልዎም፡ ምስ ተመሃሮን መንእሰያትን ቀጻሊ ርክባት ክካየድ፡ ከምኡ’ውን ልግሲ ደም ዝካየደሉ ግዜን ቦታን ክጽናዕ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories