ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ብ29ን 30ን ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ ዞባታት ናይ ዝርከባ ጨናፍሩ ከምኡ’ውን ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናን፡ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ዝተሰላሰለ ዕዮ ብመንጽር ዘጋጠሙ ብድሆታት ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ምግራብን ካልእን ዘተኮረ ትምህርቲ እውን መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብ ምጅማር ትምህርትን መስርሕ ቊጽጽራዊ ስራሓትን ዘጋጥሙ ብድሆታት፡ ኣገልግሎት ቅድመትምህርትን ኣገዳስነቱን፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ውሽጣዊ ብቕዓት ትምህርቲ፡ ጠንቅታት ድኹም ውጽኢት ተመሃሮ፡ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ተመሃሮ፡ ኣድላይነትን ብድሆታትን ኣብያተ-ፈተነ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስትታት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ቀሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ባህሊ ምግራብ ኣብ ተመሃሮ ምስራጽ፡ መደባት ትምህርቲ ፍሉይ ኣድህቦ ኣብ ዘድልዮም ወገናት፡ ሞያዊ ሓላፍነትን ስነ-ምግባርን መማህራን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝጸልዉ ረቛሒታት መግለጺታት ተዋሂቡ።

ተሳተፍቲ፡ ንጥፈታት ኣህጉራውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ዘማእዝን ሕጊ ክህሉ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክእከብን ክምስራሕን. . . ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ መዕጸዊ ቃል፡ እቲ ኣኼባ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣብ ሃገርና ዝድህስስ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝተረኽበሉ፡ ብድሆታት ናይ ምግጣም ሜላ እናሓየለ ይመጽእ ከምዘሎ ዝተነጸረሉ – ምንባሩ ጠቒሱ፡ ብሰንኪ ውሁብ ኩነታት ከም ንቡር ተወሲዶም ዝጸንሑ ማሕንቖታት ተፈቲሖም፡ ንጥፈታት ብኣድማዕነት ዝሰላሰሉሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይከውን እምነቱ ገሊጹ።

Categories