ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ፡ መግለጺ መንነትና፡ እንታይነትና፡ ታሪኽናን መልክዕናን ስለዝኾነ፡ ከምኡ’ውን ንምሕታሙ ከቢድ ወጻኢታት ስለዝሓትት፡ ኣብ ኣተሓሕዛኡ ዝርአ ሸለልትነት ክውገድ – ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ጸዊዑ።

ኣብ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ ሕሳብ ኣቶ ተወልደ ጽገ፡ “ባንዴራና – ኣርማ ናጽነትና፡ ባጤራና ድማ ምልክት ፖለቲካውን ቊጠባውን ሓርነትና” ምዃኑ ብምምልካት፡ “ገንዘበይ ድላየይ ይግበሮ” ካብ ዝብል ድኹም ኣተሓሳስባ ዝብገስ፡ ሸለልትነትን ክብሪ ምኽላእን፡ ከም ሕብረተሰብ ክንቃለሶ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ባጤራ፡ መንነታዊ ርእሰ-ማልን ናይ ምንቅስቓስ ርእሰ-ማልን ዝብል ክልተ መልክዓት ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣቶ ተወልደ፡ እቲ መንቀሳቐሲ ርእሰ-ማል ንወናኒ ብገንዘቡ ድላዩ ክገዝእ መሰል ዝህብ፡ እቲ መንነታዊ ርእሰ-ማል ግና ናይ ውልቀ-ሰብ ዘይኰነ ናይ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ መሰል ምዃኑ ኣረዲኡ። ዝገዛእካዮ ንብረት ድላይካ ክትገብሮ፡ ሃገራዊ ገንዘብ ግን ብሸለልትነትን ዘይተገዳስነትን ከተበላሽዎ ግቡእ ከምዘይኰነ ኣገንዚቡ።

ዘይውሕሉል ኣተሓሕዛ ባጤራ፡ ኣብ ቊጠባ ሃገር ከቢድ ሃስያ ከምዘውርድ፡ ባጤራ ናቕፋ ንምሕታምን ንምዝርጋሕን ዝፈስስ ርእሰ-ማልን ዝሓቶ ሰብኣዊ ጉልበትን ገዚፍ ምዃኑ፡ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ነፍሲ-ወከፍ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ንምሕታም ካብ 9 ክሳብ 13 ናቕፋ – ኣብ ሓደ ሕትመት ባጤራ ከኣ፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገብር፡ ብመረዳእታ ኣሰንዩ ኣብሪሁ።

ቸክ ንብዝሒ ጥረ ገንዘብን ናይ ምድግጋም ባህርያቱን ዘወግድ፡ ደረጃ ቊጠባዊ ዝቕባበ ንምቊጽጻርን ንምግታእን ዘኽእል፡ ካብ ዝተፈላለየ ሓደጋታት ዘድሕን፡ ባጤራ ካብ ምብልሻውን እርጋንን ዝከላኸል ብምዃኑ፡ መንግስታውያን ይኹኑ ንግዳውያን ትካላት፡ ብሓፈሻ ድማ ኩሎም ተጠቀምቲ ባጤራ ናቕፋ፡ ኣብ ፊናንሳውን ንግዳውን ንጥፈታቶምን ዘካይድዎ ትውጊታትን ኣብ ክንዲ ብጥረ-ገንዘብ ብቸክ ክጥቀሙ ጸቒጡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቶ ተወልደ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ – ባጤራ ምብልሻው፡ መልክዕካን ግርማኻን ምድዋን ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ባጤራ ጥንቃቐን ጽሬትን ከዘውትር፡ ነውርታት ምስ ዝዕዘብ ድማ ዓገብ ክብል፡ ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories