ዒላታት ብፍቓድን መጽናዕትን ዝምልከቶ ኣካል ጥራይ ክኰዓቱ፡ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣዘኻኺሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ሓበሬታኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ቦታታትን ኣብ ዒላታት ናይ ምድፋን ስጉምቲ ዝውሰድ – ንኣዋጅ ሕጊ ማይ ቊጽሪ 162/2010ን ዓንቀጻቱን ምስ ዝጥሕስ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣሉታዊ ሸነኻት ናይ’ቲ ብኢደ ወነንካ ዝግበር ምዂዓት ዒላታትን ሳዕቤናቱን ንምውጋድ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ዒላ ምዂዓት ማለት፡ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ ህላወ ማይ፡ ዓቐንን ዓይነትን፡ ቀዳምነታት፡ ራሕቂ ዒላታትን ካልኦት ረቛሒታትን ኣብ ግምት ክኣትዉ ስለዘለዎም፡ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ምርድዳእ – ክመጽእ ካብ ዝኽእል ሃልኪ ጉልበትን ገንዘብን፡ ከምኡ’ውን ካብ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዘድሕን ተገሊጹ።

ኣዋጅ ሕጊ ማይ ኤርትራ፡ ጸጋ ማይ ናይ ኩሉ ህዝቢ ምዃኑ፡ ኣብ ኣጠቓቕምኡ ግን ውሁድን ውሑስን ምሕደራ ከምዘድልዮ ኣብ ግምት ከምዘእቱ ዝጠቐሰ፡ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሃብቲ ማይ ኣቶ መብራህቱ ኢያሱ፡ ጸጋታት ማይ ከይብከሉን ብቕዓቶም ከይንክን ክሕለዉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ጠለባት ማይ ኣብ ዝመጽእ 50 ዓመታት – ምስ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ክዓቢ ምዃኑ፡ በዚ ድማ ቈጣቢ ተጠቃምነት ማይ ዘረጋግጽ ምርምራዊ መጽናዕቲ ምስፋሕን ልምዓት ልዕለ-ጽፍሓዊ ማይ ምድንፋዕን፡ ሃገራት ኣተኲረን ክሰርሓሉ ግድነታዊ ምዃኑ እውን ኣረዲኡ።

Categories