እንኣትዎ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ ሰላም፡ ብልዑል ተወፋይነትን ተበላሓትነትን ብሉጽ ስርዓተ-ትምህርቲ ብምህናጽ፡ ራኢ ሃገር ዘስምሩ ብቑዓት ዜጋታት ኣብ ምዂስኳስ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ገሊጹ።

ሚኒስተር ሰመረ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ 29 ነሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታት ጨናፍር ትምህርቲ ዞባታት፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት (ማሞስ)ን ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ።

ውጽኢት፡ ነጸብራቕ ፖሊሲ፡ ውጥንን ምሕደራን ምዃኑ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ሰመረ፡ ንዝተሰላሰለ መደባትን ገስጋሱን ዕቱብን ሃናጽን ነቐፌታዊ ገምጋም ምክያድ፡ ንዝያዳ ውህደትን ተመላላእነትን ዝሕግዙ ግብራዊ ስጒምቲታት ንምቕያስን ንምትግባርን ከምዝሕግዝ ኣረዲኡ። ከም ሃገራዊ መዐቀኒ ደረጃ ብቕዓት ስርዓተ-ትምህርትና ዝጥመቱ – ሃገራዊ መርመራታት 8ይን 12ን ክፍሊ ድማ፡ ፍሉይ ኣተኲሮ ተዋሂቡዎ ክግምገሙ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መርመራ 8ይ ክፍሊ ዝተመዝገበ 58.2 ሚእታዊት መጠን ምሕላፍ፡ ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ 6.3 ሚእታዊት ዕብየት ምምዝጋቡ ዘተባብዕ’ኳ እንተዀነ፡ ዘዛኒ ከምዘይኮነ ጸቒጡ ዝተዛረበ ሚኒስተር ሰመረ፡ “ኣብ’ዚ ክንግንዘቦ ዘድሊ ቀንዲ ጉዳይ፡ ምሕላፍን ምትራፍን ተመሃሮ ብኣሃዝ ቀሚርካ ምንጽጻር ዘይኮነ፡ ተመሃሮ ተሃኒጾሙሉ ዘለዉ መሰረት ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ ዝሕብረና መዐቀኒ ምዃኑ’ዩ” ክብል ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ሚኒስተር ሰመረ፡ ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ናይ’ዚ ድኻማት ዝኾነ ኲነተኣይሰላም – ኣይኲናት ብትስፉው መድረኽ ሰላም ተተኪኡ ስለዘሎ፡ ኩሎም ኣካላት ብውህደት – ንዝበለጸ ውጽኢት ክሰርሑ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

Categories