ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ 80 ሚእታዊት ዘራእቶም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጾም።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣቶ ጠዓመ ማሉ፡ ክሕረስ ዝግብኦ ስፍሓት መሬት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ – 18,118 ሄክታር ምዃኑ፡ እቲ ዝተሓርሰ ግን 16,148 ሄክታር – ማለት 89 ሚእታዊት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኩነታት ዝናብ ተስፋታት ሓረስቶትን ክኢላታትን ኣበሪኹ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ ደረጃ ምውላድ በጺሑ ንዘሎ ዘራእቲ ብዝምልከት፡ ኣቶ ጠዓመ – 12,206 ሄክታር ብልቱግ፡ 3535 ሄክታር መሻላ፡ 406 ሄክታር ፉል ምዃኑ፡ ብፍላይ ድማ ፉል ኣብ ደረጃ ፍረ ምሓዝ በጺሑ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ሓረስቶት ብቐጻሊ ካብ ናይ ሕርሻ መሬቶም ከይተፈለዩ ኰለላታትን ምክትታልን ከካይዱ፡ ምስ ሰብ ሞያ ሕርሻ እናተላዘቡ ጸገማቶም ክፈትሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሸበቕ ኣብ 481 ሄክታር ዝተዘርአ ምሩጽ ጻዕዳ ኳና ብልቱግ፡ ኣብ ደረጃ ምውላድ ከምዝበጽሐ እውን ሓቢሩ።

ክኢላ ምህንድስና ሕርሻ ኢንጅነር መርሃዊ ተስፋይ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ጥብ ዝበለት ማይ ኣብ መዓላኣ ንኽትውዕል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ፡ ካብ 2007 ዝተሃንጻ 3 ዲጋታትን 11 ራህያታትን ድማ እኹል ማይ ኣዋህሊለን ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ሽግር ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ኣብ ምቅላልን ትሕተ-ባይታዊ ማይ ኣብ ምህብታምን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለወን ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ መሻርኽቱ ብምውህሃድ፡ ንጽጉማት ሓረስቶት ዓድ-ዑመርን እንጭናቕን ብናጻ ዝዓደሎ 120 ኩንታል ዘርኢ፡ ኣብ ምትብባዕ ሓረስቶትን ስፍሓት ዝሕረስ መሬትን ደፋኢ ተራ ከምዝነበሮ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories