ምርኢት ኣልባሳትን ሞያ ቅዲ ክዳንን ከም መግለጺ ሃገራዊ ባህልን መንነትን ንምምዕባሉ፡ ዝጸንሐ ውህሉል ጸጋታት ብምግምጋም ብዝለዓለ ሞያዊ ዓቕሚ ንምውዳቡ፡ ብ25 ነሓሰ ዓውደ-ዘተ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ኣብ’ቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ዲዛይነራት፡ ክኢላታት ቅዲ ክዳንን ፋሽንን፡ ከምኡ’ውን ሞዴላት ዝተሳተፉሉ ዓውደ-ዘተ፡ ምስ ዘሎ ጽልዋታት፡ ኣብ ሃገርና እቲ ዓውዲ ንምዕባራባዊ ባህልን መንነትን ርዒሙ ክኸይድ ምጽንሑ፡ ኣጠማምታን ንቕሓትን ሕብረተ-ሰብና ትሑት ብምዃኑ ድማ ከም ሞያ ክዓቢ ከምዘይከኣለ፡ ኣብ’ቲ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በሪሁ።

ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረቡ ክኢላታት፡ ኣብ ውሱን ኣጋጣሚታትን ጽምብላትን ብተናጸል ክካየድ ንዝጸንሐ ንጥፈታት፡ ብደረጃ ማሕበር ብምጥርናፍ ብሱታፌ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ኣካላት፡ መንነትን ሃገራዊ ባህሊን ናብ ዘጒልሕ ሞያ ንምምዕባሉን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ብዕቱብ ክስራሓሉ ኣዘኻኺሮም።

ተሳተፍቲ ድማ፡ እቲ ኣጋጣሚ ሞያውያን ኣብ ሓደ መኣዲ ክጥርነፉን ንዕብየት’ቲ ዓውዲ ዝሕግዝ ሓሳባት ክለዋወጡን ከምዝሓገዘ ብምሕባር፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዘሎ ሕብረ-ብሄራዊ ጸጋታት ብምብርባር ምስሊ ሃገር ዘጒልሕ ፍረ ክርከብ፡ ናይ ስራሕ ውህደት ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዕድመ ዘለዎ ምርኢት ኣልባሳትን ቅዲ-ክዳንን ሃገርና፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣካል ናይ’ቲ ባህልን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ዝተኻየደ ውዲት ምንባሩ ብምሕባር፡ እቲ ስራሕ ዳግም ምብጋሱ፡ ጽባቐ ባህልን መንነትን ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መድረኻት ንምጉላሕ ተራኡ ከበርክት ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

Categories